ግልጋሎት ምምኻር ግዕዝ ብምስትውዓል ራእዮም ናብ ክውንነት ይቐይሩ!
ናይ ንግዲ ስትራቴጂ
ስልታዊ ምኽሪ
ግልጋሎት ምምኻር ኣሰራርሓ
ንትካላት ኣገልግሎት ምኽሪ
ናይ ሓድሽ ወይ መስመር ዝሓዘ ትካሎም ስትራተጂካዊ ዕላማታት ንምዕዋት ግልጋሎት ምምኻር ግዕዝ ምኽሪን መምርሒን ይህብ. ብናትና ጠቓሚ ርድኢታትን መፍትሒታትን ፣ ማሕለኻታት ምድህሳስ ፣ ሓደሽቲ ዕድላት ምጥቓምን ሓፈሻዊ ናይ ንግዲ ስራሕትን ምምሕያሽ ይኽእሉ።
ኣቐራርባና
ንናይ ትካልኩም መጻኢ ኩነታት ንሰርሕ
ግልጋሎት ምምኻር ግዕዝ ውልቃዊ ኣቀራርባናን ኣሰራርሓናን ፣ ናይ ኢንዱስትርያዊ ፍልጠትናን ዕዉት ተሞክሮናን ንንግድኹም ምችውን ተስማዕማዕን ኣጋር ይገብሮ።
- ዓማዊል ማእከል ዝገበረ ኣካይዳ ቅድምያ ብምሃብ ኣወንታዊ ሽም ትካሎም ንሕሉ
- ናይ ዓሚል ዕግበት ቀዳምነት ብምሃብ ጠንካራ ዝምድናታት ንሃንጽ
- ዝለዓለ ናይ ደንበኛታት ግልጋሎት ነቐርብ
የምንሰጣቸው አገልግሎቶች
ንሕና ንህቦም ኣገልግሎታት
ግልጋሎት ምምኻር ግዕዝ ንናይ ንግዲ ስራሕቶም ድሌታት ንምምላእ ዝተጋጀዉ ሰፋሕቲ ግላጋሎታት ይህብ። ካብ ዕቕድ ክሳብ ትግበራ ክኢላታትና ብዛዕባ ዝተሓላለኸ ሃዋህው ንግዲ ዓለም ዝህብዎም ምኽርታት ብልበ ምሉእነትን ብቐሊሉን ንምስጓም ይሕግዞም።
ሕድሕድ ድርጅት ናይ ባዕሉ ፍሉያት ድሌታትን ፈተናታትን ኣልውዎ። ናትና ሰብ ሞያ ኣማኸርቲ ንግዶም ዘመሓይሽሉም ነገራት ንምልላይ ዓሚቕ ገምጋም ይገብሩ። ብግልጋሎት ምምኻር ግዕዝ ዝተዘጋጀዉ መፍትሕታትን ስልታዊ መምርሕታትን ብምጥቃም ናይ ድርጅቶም ሓቃዊ ዕቕሚ የርእዩ።
ግልጋሎት ምምኻር ግዕዝ ብዛዕባ ናይ ድርጅታት ተለዋዋጣይነት ብዘለዎ ዓሚዩቕ ግንዛበ ብዘይ ምንም ችግር ዓውዲ ንግዲ ኣብ ምቅያር ብቐሊሉ ክላመዱ ፣ልሙጽ ሽግግርን ኣወንታዊ ውጽኢት ክህሉ ይሕግዝ።
ግዕዝ ኣማኻሪ ምስ ሰብ ሞያ መፍትሒ ቴክኖሎጂ ናቪጌት navigate technologic solutions ብሓባር ብምኳን ጥሙር ግልጋሎት ቴክኖሎጂን ሞያዊ ፍታሕን ይህብ።
ግልጋሎት ምምኻር ግዕዝ ንነፍሲ ወከፍ ዓሚል ዘጋጥሞ ፍሉይ ሓደጋታት ብዕምቆት ይምርምርን ምስ ባህግታቶምን ዕላማታቶምን ፍጹም ዝሰማማዕ ዝተመጣጠነ መፍትሒታት የዳሉ።
ሰፊሕ ልምድናን ኣብ ሓበሬታ ዝተደረኸ መማረጺ ሓሳባት ብምጥቓም ክቡራት ዓማዊሎም ዝረኽዕሎምን ጽፈት ዝተመልኦ ግልጋሎት ንምሃብ ዘኽእሎም መንገዲ፣ ክመሓየሹ ዘለዎም ጉድለታት ኣብ ምልላይን ሓበሬታ ኣብ ምሃብን ንነጥፍ።
ዘለና ስራሕ ልምዲ ብምጥቓም መሸጠኦምን እቶቶም ዘኻዕብትሉን ውጺኢታዊ መንገድታት ብምሕንጻጽ ዘይተነኽአ ናይ ንግዶም ዓቕሚ ኣብ ምስካዕ ንነጥፍ።
ግዕዝ ኮንሳልቲንግ ሕግን ደንብን ኣክቢርካ ብዛዕባ ቢዝነስካ ትጅምረሉን ተቕጽለሉን መንገዲ ሓበሬታ ይህብ። ብተወሳኺ ዓቅምካ እተዕብየሎም ዕድላት ኣብ ምጥቓምን ናይ ምስፍሕፋሕ ዓቕምኻ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብጻሕ ማዕዳ ንህብ።
ሳባ ተኽሉ
መስራቲትን ዳይረክተርን
መስራቲት ግዕዝ ምምኽኻር ዝኾነት ሳባ ተኽሉ ውልቀሰባት ብምሕጋዝ ኣብ ናይ ስራሕ ፈጠራ ገጽታ ጽቡቕ ኣስተዋጽኦ እተበርክት ውፍይቲ በዓልቲ ሞያ እንትትኾን ኣብ ንትርፊ ዘይተመስረተ ትካል ንስደተኛ ማሕበረሰብ መንገዲ ኣብ ምሕባርን ደገፍ ኣብ ምግባርን እናገልገለት ስለዝጸንሕተ ናይቲ ማሕበረሰብ ፍሉይ ድሌታቱ ኣብ ምፍላጥ ቐሊል ዘይበሃል ግንዛበ ኣለዋ እዚ ከዓ ካብ ካልእ ፍልይቲ ይገብራ።
ሳባ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ጸሊም ማሕበረሰብ ምስ ሓደሽቲ መጻእቲ ፣ ጀመርትን እግሪ ዝተኸሉ ሰብ ቢዝነስን ብብሕታውነት ካብ ዝሰርሑ ውሑዳት ሓንቲ እያ። እዞም ተመኩሮታት እዚኦም ጠቃሚ ክእለታት ካብ ምዕጣቕ ሓሊፎም ጥሉቅ ናይ ዓላማ ስሚዒት ብምውላዕ ናይ ስራሕ ፈጠራ ፍልጠታ ንኣወንታዊ ለውጢ ክትጥቀመሉ ኣኽኢሉዋ እዩ።
ብምስትውዕዓል ራኢታት ናብ ክውንነት ምስግጋር።
ብመገዲ ምስትውዓል ራእይታት ናብ ክውንነት ምቕያር ሎሚ ንክብልጽጉ ክንሕግዞም ይፍቐዱልና!
ዓማዊልና እንታይ ይብሉ
ምስክርነት
ብተደጋጋሚ ዝለዓሉ ሕቶታት
ቢዝነስኩም ብልክዕ እንታይ የቕርብን ከመይ ጌሩ ድሌታትና ከማልእ ወይ ጸገማትና ክፈትሕ ይኽእል?
ግልጋሎታትና ንዞም ዝስዕቡ ዝምጥኑ እዮም:-
- ኣብ ምዝገባ ሓዱሽ ንግዲ ድጋፍ ምግባር
- ግልጋሎት ናይ ንግዲ ዕቕድ ምጽሓፍ
- ክሳብ 10 ናይ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ሒሳብ ኣተሓሕዛን ኣከፋፍላ ደሞዝን
- ኣብ ምስፍሕፋሕን ናይ ዕቤት ዕድላትን መንገዲ ምሕባር
- ከም ኣማኻሪን ሳልሳይ ወገን ወሃቢ ግልጋሎትን(managed service provider) ኣብ ዲጂታላዊ ምስምዕማዕን ምውህሃድ ቴክኖሎጅን ፍሉይ ሞያዊ ምኽሪ ምሃብ
ምስ በጀትና ከምዝስማዕማዕ ንምርግጋጽ ክሕግዘና ምእንታ ክፍሊት ግልጋለቶም ቅናሽን ተወስኽቲ ፓኬጃትን ሓዊሱ ክንደይ እዩ?
ክፍሊትና ተመጣጣንን ርትዓዊን እዩ። ሕድሕድ ተገልገልትና ድሌታቶም ዝተፈለዪ ስለዝኾኑ ንድሌቶም ዝምጥን ክፍሊት ነዘጋጁ። ዝምጥኖም ዋጋ ክነግሩና ነበረታትዖም።
ፕሮጀክትና ንምቕባልን ግልጋሎትካ ብእዋኑ ንምቕራብ ዝህልወኩም ቕሩብነት ክንደየናይ እዩ?
ክፍሊትና ተመጣጣንን ርትዓዊን እዩ። ሕድሕድ ተገልገልትና ድሌታቶም ዝተፈለዪ ስለዝኾኑ ንድሌቶም ዝምጥን ክፍሊት ነዘጋጁ። ዝምጥኖም ዋጋ ክነግሩና ነበረታትዖም።
ተኣማንነትካ ንምርግጋጽን ሕሉፋት ስራሕትኻን ንምክትታልን ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዓማዊልካ መወከሲታት ኣለውኻዶ?
ምስ ዓማዊልና ብዝሃነጽናዮም ዝምድናታት ስለንሕበን ፣ መወከሲታት ኣብ ተሓተትናሉ ንምቕራብ ድልዋት ኢና።
መራኸቢ መንገድታትካ፣ ምላሽ ንምሃብ ዝወስደልካ ጊዜን ድሕሪ ናይ መጀመርታ ርክብን ምውዳእ ፕሮጀክትን ተኸታታሊ ድጋፍ ንምሃብ ዝህልወኩም ቅሩብነት ክንደየናይ እዮ?
ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ንዓወትና ቑልፊ እዩ። ምላሽ ንምሃብን ንዓማዊልና ብቐሊሉ ተበጻሕቲ ንምኳንን ውፍያት ኢና። ብኢመይል ፣ ብስልኪ ጻውዒታት ወይ ብቨርችዋል (virtual) ኣኼባታት ኣብ እዋን ወይ ድሕሪ ምውዳእ ፕሮጀክት ንዝህልዎም ምንም ዓይነት ሕቶታን ስክፍታታትን ንምፍታሕ ድልዋት ኢና።
