ግልጋሎት ምምኻር ግዕዝ ብምስትውዓል ራእዮም ናብ ክውንነት ይቐይሩ!

ናይ ንግዲ ስትራቴጂ

ስልታዊ ምኽሪ

ግልጋሎት ምምኻር ኣሰራርሓ

ንትካላት ኣገልግሎት ምኽሪ

ናይ ሓድሽ ወይ መስመር ዝሓዘ ትካሎም ስትራተጂካዊ ዕላማታት ንምዕዋት  ግልጋሎት ምምኻር ግዕዝ  ምኽሪን መምርሒን ይህብ. ብናትና ጠቓሚ ርድኢታትን መፍትሒታትን ፣ ማሕለኻታት ምድህሳስ ፣ ሓደሽቲ ዕድላት ምጥቓምን ሓፈሻዊ ናይ ንግዲ ስራሕትን ምምሕያሽ ይኽእሉ።

ኣቐራርባና

ንናይ ትካልኩም መጻኢ ኩነታት ንሰርሕ

ግልጋሎት ምምኻር ግዕዝ  ውልቃዊ ኣቀራርባናን ኣሰራርሓናን ፣ ናይ ኢንዱስትርያዊ ፍልጠትናን ዕዉት ተሞክሮናን ንንግድኹም ምችውን ተስማዕማዕን ኣጋር ይገብሮ።

የምንሰጣቸው አገልግሎቶች

ንሕና ንህቦም ኣገልግሎታት

ግልጋሎት ምምኻር ግዕዝ ንናይ ንግዲ ስራሕቶም ድሌታት ንምምላእ ዝተጋጀዉ ሰፋሕቲ ግላጋሎታት ይህብ። ካብ ዕቕድ ክሳብ ትግበራ ክኢላታትና ብዛዕባ ዝተሓላለኸ ሃዋህው ንግዲ ዓለም ዝህብዎም ምኽርታት ብልበ ምሉእነትን ብቐሊሉን ንምስጓም ይሕግዞም።

ገምጋም ነፍሰ ወከፍ ድሌታቶም

ሕድሕድ ድርጅት ናይ ባዕሉ ፍሉያት ድሌታትን ፈተናታትን ኣልውዎ። ናትና ሰብ ሞያ ኣማኸርቲ ንግዶም ዘመሓይሽሉም ነገራት ንምልላይ ዓሚቕ ገምጋም ይገብሩ።  ብግልጋሎት ምምኻር ግዕዝ ዝተዘጋጀዉ መፍትሕታትን ስልታዊ መምርሕታትን  ብምጥቃም ናይ ድርጅቶም ሓቃዊ ዕቕሚ የርእዩ።

ምሕደራ ለውጢ

ግልጋሎት ምምኻር ግዕዝ  ብዛዕባ ናይ ድርጅታት ተለዋዋጣይነት ብዘለዎ ዓሚዩቕ ግንዛበ ብዘይ ምንም ችግር ዓውዲ ንግዲ ኣብ ምቅያር ብቐሊሉ ክላመዱ ፣ልሙጽ ሽግግርን ኣወንታዊ ውጽኢት ክህሉ ይሕግዝ።

ውህደት ቴክኖሎጂ

ግዕዝ ኣማኻሪ ምስ ሰብ ሞያ መፍትሒ ቴክኖሎጂ ናቪጌት navigate technologic solutions ብሓባር ብምኳን ጥሙር ግልጋሎት  ቴክኖሎጂን ሞያዊ ፍታሕን ይህብ።

ኣተኣላልያ ስግኣት

ግልጋሎት ምምኻር ግዕዝ ንነፍሲ ​​ወከፍ ዓሚል ዘጋጥሞ ፍሉይ ሓደጋታት ብዕምቆት ይምርምርን ምስ ባህግታቶምን ዕላማታቶምን ፍጹም ዝሰማማዕ ዝተመጣጠነ መፍትሒታት የዳሉ።

ምምሕያሽ ተመኩሮ ዓማዊል

ሰፊሕ ልምድናን ኣብ ሓበሬታ ዝተደረኸ መማረጺ ሓሳባት  ብምጥቓም ክቡራት ዓማዊሎም ዝረኽዕሎምን ጽፈት ዝተመልኦ ግልጋሎት ንምሃብ ዘኽእሎም መንገዲ፣ ክመሓየሹ ዘለዎም ጉድለታት ኣብ ምልላይን ሓበሬታ ኣብ ምሃብን ንነጥፍ።

ዕቤት መሸጣን እቶትን

ዘለና ስራሕ  ልምዲ ብምጥቓም መሸጠኦምን  እቶቶም  ዘኻዕብትሉን ውጺኢታዊ መንገድታት ብምሕንጻጽ ዘይተነኽአ ናይ ንግዶም ዓቕሚ ኣብ ምስካዕ ንነጥፍ።

ምኽሪ ምኽታል ሕግን ደንብን

ግዕዝ ኮንሳልቲንግ ሕግን ደንብን ኣክቢርካ ብዛዕባ ቢዝነስካ ትጅምረሉን ተቕጽለሉን መንገዲ ሓበሬታ ይህብ። ብተወሳኺ ዓቅምካ እተዕብየሎም ዕድላት ኣብ ምጥቓምን ናይ ምስፍሕፋሕ ዓቕምኻ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብጻሕ ማዕዳ ንህብ።

ሳባ ተኽሉ

መስራቲትን ዳይረክተርን

መስራቲት ግዕዝ ምምኽኻር  ዝኾነት ሳባ ተኽሉ  ውልቀሰባት ብምሕጋዝ ኣብ ናይ ስራሕ ፈጠራ ገጽታ ጽቡቕ ኣስተዋጽኦ  እተበርክት ውፍይቲ በዓልቲ ሞያ እንትትኾን ኣብ ንትርፊ ዘይተመስረተ ትካል ንስደተኛ ማሕበረሰብ መንገዲ ኣብ ምሕባርን ደገፍ ኣብ ምግባርን እናገልገለት ስለዝጸንሕተ ናይቲ ማሕበረሰብ ፍሉይ ድሌታቱ ኣብ ምፍላጥ ቐሊል ዘይበሃል ግንዛበ ኣለዋ እዚ ከዓ ካብ ካልእ  ፍልይቲ ይገብራ።  

ሳባ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ጸሊም ማሕበረሰብ  ምስ ሓደሽቲ መጻእቲ ፣ ጀመርትን እግሪ ዝተኸሉ ሰብ ቢዝነስን ብብሕታውነት ካብ ዝሰርሑ ውሑዳት ሓንቲ እያ። እዞም ተመኩሮታት እዚኦም ጠቃሚ ክእለታት ካብ ምዕጣቕ ሓሊፎም ጥሉቅ ናይ ዓላማ ስሚዒት ብምውላዕ ናይ ስራሕ ፈጠራ ፍልጠታ ንኣወንታዊ ለውጢ ክትጥቀመሉ ኣኽኢሉዋ እዩ።

ብምስትውዕዓል ራኢታት ናብ ክውንነት ምስግጋር።

ብመገዲ ምስትውዓል ራእይታት ናብ ክውንነት ምቕያር ሎሚ ንክብልጽጉ ክንሕግዞም ይፍቐዱልና!

ዓማዊልና እንታይ ይብሉ

ምስክርነት

" ምስ ሳባ ምስራሕ ንቢዝነስና ኣንፈት ቐያሪ ኮይኑ ረኺብናዮ። ሞያዊ ክእለታ ንዝተሓላለኹ ብድሆታት ፍታሕ ዝሐሸ ርድኢት ክህልወናን ሓጊዙና እዩ። ኣብ ኣሰራርሓናን ኣትራፋይነትና ሓፈሻዊ ኣፈጻጽማ ንግድናን ርኡይ ምምሕያሽ ርኢናሉ ኢና። "
ዮናስ ሂላ
ትምህርቲ ቤት ምሽክርካር መኪና
‘’ ሳባ ኣብ ናይ ባንኪ ኣስራርሓ ዝሐሸ ግንዛበ ክህልወናን ኣብ ምውጻእ ልቓሕ ዕውት ክሳብ ዝኾን ሕድሕድ መንገድታት ብምሕባር ወሳኒ ግደ ተጻዊታእያ። ብዛዕባ ናይ ካናዳ ሃዋህው ቢዝነስ ጽቡቕ ፍልጠት ስለዘለዋ ጠቐምቲ ምኽርታት ረኺብና ኢና። ”
ዮርዳኖስ ተወልደብርሃን
us1 ሓፈሻዊ ናይ ጅምላ ኣምጻእን ለኣኽን ትካል
" ግልጋሎት ምምኻር ግዕዝ ብዝሃበና ኣገልግሎት ኣዝዩ ሕጉሳት ኢና። ሳባ ኣብ ምምስራት ኣሹ ኣፍሪካ ኢምፖርት ኤክስፖርት ሓ/ዝ/ግ/ማ ዝገበረቶ ሞያዊ ሓገዝ ብዋጋ ዘይትመን እዩ ነይሩ። ሳባ ዕላማ ትካልና ናብ ዝለዓለ ውጽኢት ንኽበጽሕ ካብ ትጽቢትና ንላዕሊ ሓጊዛቶ እያ። ”
አሸናፊ ካሲ
ኣሹ ኣፍሪካ ኣምጻእን ላኣኽን ድርጅት

ብተደጋጋሚ ዝለዓሉ ሕቶታት

ንሕና ስለ እንህቦም ግልጋሎትን ፍርያትን

ቢዝነስኩም ብልክዕ እንታይ የቕርብን ከመይ ጌሩ ድሌታትና ከማልእ ወይ ጸገማትና ክፈትሕ ይኽእል?

ግልጋሎታትና ንዞም ዝስዕቡ ዝምጥኑ እዮም:-

  • ኣብ ምዝገባ ሓዱሽ ንግዲ ድጋፍ ምግባር
  • ግልጋሎት ናይ ንግዲ ዕቕድ ምጽሓፍ
  • ክሳብ 10 ናይ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ሒሳብ ኣተሓሕዛን ኣከፋፍላ ደሞዝን
  • ኣብ ምስፍሕፋሕን ናይ ዕቤት ዕድላትን መንገዲ ምሕባር
  • ከም ኣማኻሪን ሳልሳይ ወገን ወሃቢ ግልጋሎትን(managed service provider) ኣብ ዲጂታላዊ ምስምዕማዕን ምውህሃድ ቴክኖሎጅን ፍሉይ ሞያዊ ምኽሪ ምሃብ
ናይ ግልጋሎት ክፍሊት

ምስ በጀትና ከምዝስማዕማዕ ንምርግጋጽ ክሕግዘና ምእንታ ክፍሊት ግልጋለቶም ቅናሽን ተወስኽቲ ፓኬጃትን ሓዊሱ ክንደይ እዩ?

ክፍሊትና ተመጣጣንን ርትዓዊን እዩ። ሕድሕድ ተገልገልትና ድሌታቶም ዝተፈለዪ ስለዝኾኑ ንድሌቶም ዝምጥን ክፍሊት ነዘጋጁ። ዝምጥኖም ዋጋ ክነግሩና ነበረታትዖም።

ሰደቓ ጊዜን እና ቕሩብነትን

ፕሮጀክትና ንምቕባልን ግልጋሎትካ ብእዋኑ ንምቕራብ ዝህልወኩም ቕሩብነት ክንደየናይ እዩ?

ክፍሊትና ተመጣጣንን ርትዓዊን እዩ። ሕድሕድ ተገልገልትና ድሌታቶም ዝተፈለዪ ስለዝኾኑ ንድሌቶም ዝምጥን ክፍሊት ነዘጋጁ። ዝምጥኖም ዋጋ ክነግሩና ነበረታትዖም።

መወከሲታት

ተኣማንነትካ ንምርግጋጽን ሕሉፋት ስራሕትኻን ንምክትታልን ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዓማዊልካ መወከሲታት ኣለውኻዶ?

ምስ ዓማዊልና ብዝሃነጽናዮም ዝምድናታት ስለንሕበን ፣ መወከሲታት ኣብ ተሓተትናሉ ንምቕራብ ድልዋት ኢና።

ርክብን ድጋፍን

መራኸቢ መንገድታትካ፣ ምላሽ ንምሃብ ዝወስደልካ ጊዜን ድሕሪ ናይ መጀመርታ ርክብን ምውዳእ ፕሮጀክትን ተኸታታሊ ድጋፍ ንምሃብ ዝህልወኩም ቅሩብነት ክንደየናይ እዮ?

ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ንዓወትና ቑልፊ እዩ።  ምላሽ ንምሃብን ንዓማዊልና ብቐሊሉ ተበጻሕቲ ንምኳንን ውፍያት ኢና። ብኢመይል ፣ ብስልኪ ጻውዒታት ወይ ብቨርችዋል (virtual) ኣኼባታት ኣብ እዋን ወይ ድሕሪ ምውዳእ ፕሮጀክት ንዝህልዎም ምንም ዓይነት ሕቶታን ስክፍታታትን ንምፍታሕ ድልዋት ኢና።

ንምኽሪ ግልጋሎት ይርኸቡና

  • 5235 28 Ave SE, Calgary, AB

  • info@geezconsulting.com

  • 1(403) 700-2065

ቆጸራ ይሓዙ